በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላክ ኣሜን ! ተኣምር ቅዱስ ገብርኤል
ናይ ወርሒ ለካቲት ተኣምሪሁ ለቅዱስ ገብርኤል ሊቀ መላእክት ዜናዊ ፍሳሃ ወሓሴት ጸሎቱን በረከቱን ምስኩላትና ህዝበ ክርስቲያን ይኹን ኣሜን።! በዚ ወርሒ ለካቲት ሰባት ቤተ ክርስቲያን ሃኒጾም ምስ ወድኡ ኣብቲ ቦታ መሰውኢ ዓበይቲ ኣዑንድ ገይሮም፡ ኣብኡ ኮይኖም መስዋእቶምን ጸሎትምን የቅርቡ ነበሩ ። ሓደ ጽቡቅ ምልኩዕን ጉልቡትን ሰብኣይ ኣተወ’ሞ ኣብታ ቅድሚኡ ዝነበረ እዳራኣየ ይግረም ነበረ። ከምዚ እናበለ ከሎ ቅዱስ ገብርኤል ኣዒንቱ ከፈተሉ’ሞ ከመይ ገይሮም ከም ዝሃነጽዎን ከም ዝጸረብዎን ይርኢ ነበረ። ክሃንጽዎ ከለዉ ነቲ ገረብ ኣምጺኦም ከምቲ ዝደለይዎ ገይሮም ክቆርጹ ምስ ቀረቡ በትሩ ገይሩ ቅዱስ ገብርኤል ይሕግዞም ከምዝነበረ ኣርኣዮ ።ብድሕርዚ እዚ ሰብኣይ ነዚ ነገር ምስ ረኣየ ዓቢይ ፍርሓት ሓዞ ሰምበደ’ሞ ብገጹ ተደፊኡ ናብ ምድሪ ወደቀ እቶም ህዝቢ ምስ ራእይዎ ብጣዕሚ ፈርሁን ሰንበዱን። ልቡ ምስ ፈለጠ እሂ እንታይ ድኣ ኾይንካ እንታይ ሪኢኻ ድኣ በልዎ ። ንሱ ድማ ዓቢይ ብርሃናዊ ክንፉ ዘርጊሑ ነዚ ህዝቢ ኣጽሊልዎ ርኣኹ በሎም ። ንሱ ክቀውም ከሎ ድማ ጽንዕቲ በትሪ መስቀል ፡ ኣብቲ ዝቖመሉ ድማ እታ በትሪ መስቀል ብብርሃን ከምጸሓይ በሪሃ፡ ኣብቲ ዝቆመሉ ቦታ ጸኒዓ ዝተተኽለት፡ ጸኒዑ’ውን ይቀውም በሎም፡፡ እቶም ህዝቢ እዚ ነገር ምስ ሰምዑ ነቲ ቤተክርስቲያን ምጽዋቶም ሃብዎ (ኣውደቁ) በብዝዓቅሞም እዚ ብሓጎስን ብደስታን ብሕጉስ ልቢን ፡ ብሙሉእ እምነት ፡ ዓበይቶምን ናእሽቶምን ነዚ ገበሩ ። ንሕና ድማ ኣብ ናይ ቅዱስ ገብርኤል ዝኽረ በዓል መስዋዕትና፡ ምጽዋትናን ፡ ቁርባንና ክቅበለልና ጸሎትና ክቕበል ንእግዚኣብሔር ኣምላኽና ንለምኖ። ናይ ነገስታት ንጉስ ናይ ኣማላኽቲ ኣምላኽ ፡ ናይ ጐይቶት ጐይታ ዝኾነ ኣምላኽናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ፡ ንዕኡ ምስጋናን፡ ኣምልኾን ውዳሴ ምስ ሕያዋይ ጓሳ ዝኾነ ሰመያዊ ኣቡኡ ምስ ማህያዊ ዝኾነ መንፈስ ቅዱስ ምስጋና ገንዘቡ ዝኾነ ጐይታ፡ ብጸሎቱን ረድኤቱን ናይ ቅዱስ ገብርኤል ካብ መከራ ስጋን ነብስን ክሕልወና ቅዱስ ፍቃዱ ይኹነልና ለዓለም ዓለም ኣሜን ።
በዚ ዕለት ድማ ኣብ 19 ወርሒ የካቲት ዝንበብ ናይ ሊቀ መላእክት ቅዱስ ገብርኤል ዝገበሮ ተርዳእነት “ዘከመ ወሃቦ ሰይፈ ለቅዱስ መርቆሬዎስ” ንቅዱስ መርቆርዎስ ሴፍ ዝሃበሉ እዩ ። በረከቱ ይሕደረና ኣሜን!። መርቆሬዎስ ኣብ ኹናት(ውትህድርና) እንከሎ መልኣከ ምሕረት ቅዱስ ገብርኤል ተራእዮ’ሞ ሴፍ ሂቡ ተንስእ እግዚኣብሔር ንጸላእክትኻ ክትስዕሮም ክትቆራርጾምን ሓይሊ ሂቡካ ኣሎ። ደኬዎስ ንጉስ ግና ሃይማኖቱ ክርስትና ሓዲጉ ንጣዖት ሰጊዱ እዩ። ንስኻ ግና ጽናዕ ኣጆኻ በርትዕ ኣብ ሃይማኖትካ ከምቲ ካብ ኣቦታትካ ዝተማሃርካዮ ጸኒዕካ በርትዕ ትባዕ ኢሉ ኣጻናኒዑ ካብ ቅድሚኡ ተሰወረ (ዓረገ)። ኦ! ቅዱስ ገብርኤል ብእሳት ሓዊ ዝተሰለምካ ነጸብራቓዊ፡ ውግእ ኣብ ዝነበረሉ ግዜ ምስ ጸላእቱ ንፈታዊኻ መርቆሪዎስ ናይ ሮም ንሞት ከይፈርሕ ብረድኤትካ ዝሓገዝካ ኢኻ።በረከት ናይ ሰማዕት ቅዱስ መርቆሬዎስ ኣይፈለየና ኣብ ሃይማኖትና ክንጸንዕ ሓይሊ ኣምላኽ ይሓግዘና።/1ይ ጢሞ. 2/ ለዓለም ዓለም ኣሜን!።
•ዘረዳእኮ ገብርኤል ሰርገወ ነዳዲ እሳት፡ •ምስለ ፀባዒት በጊዜ ወጠነ ፀብዓ፡ •መርቆሬዎስ ዘሮሜ ምሉዕ ጸጋ ወሀበት ፡ •እንበለ ረዴትከሰ ዘኢፎርሆ ለሞት ፡ •ኣልቦ ጸድቅ ወእልቦ ሰማዕት ፡ ወስብሐት ለእግዚኣብሔር ልዑል ወለወላዲቱ ድንግል ወለመስቀሉ ክቡር ኣሜን።







Comments